Image description
Image description

ቀዳማይ ክፋል

                           ቀዳማይ ክፋል

  ናይ ብዙሓት፡ ብእምነቶም ጀጋኑ፡ ዝሓለፉ ሰባት ተጸሒፉን ተነቢቡን ኣሎ። ኣደይ ጽሃይቱ ከኣ ካባታቶም ዘይሓምቃ ናይ ጊዜና ነብዪት ስለ ዝነበራ፡ ንነዊሕ ጊዜ ብዛዕባአን ኽጽሕፍ ድሕሪ ምሕሳበይ፡ ነቲ ካብ 1993 ዓ.ም ክሳብ እታ ዝዓረፋላ 1995 ዓ.ም፡ ብፍሉይ ኣተኩሮ ሂበ፡ ዘረብአንን ምስክርነትን ቅድሚ ካብዛ ዓለም እዚኣ ምግዕዘን ዘስፈርክዎ ሓጺር ታሪኽ እንሆ፦

ክሳዕ ሕጂ ኣብ ጉዕዞ ህይወተይ፡ ነደይ ጽሃይቱ ተስፋይ፡ ብህይወት ክርስትንአን ኮነ  ከም ሰበይቲ መጠን ትብዓተንን ዝዳረገን ኣይረኤኹን። ኣደይ ጽሃይቱ ነቲ ዛንታ ህይወተን ምጽሓፍ ተገዲሰ ከም ዘለኹ ምስ ነገርክወን፡ “ኣነስ ብዙሕ ጊዜ እዩ ዘተሓሳስበኒ፡ እዞም ደቀይሲ ንምንታይ እዮም እዚ ዘይግደስሉ እብል ነይረ’’ ዝበልኦ ሓሳበንን፡ ካብዛ ዓለም ሓሊፈን ከለዋ ወርትግ ክዛረብኦ ዝደልያ መለቀብታ ለበዋአንን ንምቅራብ ዝተበገስክዎ ሃቐና ምዃኑ ክገልጽ እፈቱ።

ሓጻር ጽሕፍቲ እያ፡ ብዝያዳ ግና ነቶም ኣደይ ጽሃይቱ ዝፈልጡ ሰባት መበገሲ መዘከሪኦም ኮይና ኣብቲ ዝፈልጥዎ ብዙሕ ናብራ ህይወት ኣደይ ጽሃይቱ ጠሊቆም ከስተንትኑን ክባራትዑን ክትንስኡን ንበረኸት ክትኮኖም እምነየሎም።

ብዙሓት ኪኢላታት ስነ ጽሑፍ ከም ዘለዉ ዘይጠራጠሮን ዘይክሕዶን ሓቂ እዩ። እዛ ንእሽቶ ጽሕፍቲ ነቲ ገና ዘይወጸ ዘሎ ብዙሕ ማዕድን መንፈሳዊ መልእኽቶም ንከተውጽኦን ከተተባብዕን ደገ ክትከፍተሎምን ትጽቢተይ እዩ።

ዕለቱ ሕዳር 8 1993 ዓ.ም ነበረ። ታሪኽ ኣደይ ጽሃይቱ ተስፋይ ክጽሕፍ ከኣ  ናብታ ክልተ ዓራትን፡  ኣብ ልዕሊኣ መሳተይን መብልዕን ዘለዋ ንእሽቶይ ጣውላን፡ ዕቅና 3 ብ 3 ሜትሮ እትኸውን፡ ካብ ሰላሳ ሰባት ንላዕሊ፡ ኣብ ክልቲኡ ዓራት ብክልተ መስርዕ ኮፍ ዝብሉላን፡ ኣብ ታሕቲ ኣብ ድኳን፡ ኣብ ኣፍ ደገ ብተመሳሳሊን፡ መኣከቢት፡ ንብዙሓት መዓንገሊት፡ መጸለይት፡ ዝኾነት ታሪኻዊት ቤት፡ ብድሕሪ ቤት ትምህርቲ ፐተጎ ገዛ እንዳ ኣደይ ጽሃይቱ ኣተኹ። ታሪኸን ካብ ቃለን ክወስድውን ዕድለኛ ኮንኩ።

ኣደይ ጸሃቱ፡ ብ1915 ዓ.ም ፈረንጂ ካብ ኣቦአን፡ ኣቶ ተስፋይ ተወልደብርሃን፡ በዓል ኣማድር፡ ካብ ኣዴአን ወይዘሮ ስሉም ወልደሚካኤልን ኣብ ኣስመራ ጦርሰ በጦሎኒ ተወልዳ። ኣድኤን፡ ወ/ሮ ስሉም ኣብ ሰዊት ዕድሜኤን፡ ኣብ መበል 35 ዓመተን ካብዛ ዓለም ብሞት ተፈልያ። ቦኽሪ ገዛ፡ ምዕባይ ኣደይ ጽሃይቱውን ኣቐዲመን ስለዝሞታ፡ ኣደይ ጽሃይቱ ከም ቦኽሪ ምስ ኣቦአን ኣቦይ ተስፋይ፡ ከም ኣደ ኮይነንን ንኣሕዋተን ክኣልያ ጀመራ። ኣቦይ ተስፋይ ኣዚዮም ቀረባ ኣምላኽ ስለዝነበሩ፡ ንጓሎም ኣደይ ጽሃይቱ ከም ርትዖም “ቦኽሪ ንእግዚኣብሄር ክውፊያ ይግባኣኒ፡ ጽሃይቱ ኣይትምርዓውን እያ” ክብሉ ጸኒዖም ነበሩ። ኣደይ ጽሃይቱውን ገና ኣብ ኣዚዩ ንኡስ ዕድሜአን ንእግዚኣብሄር ጥራይ ከገልግላ  ባህጊ ነበረን። ይኹን እምበር፡ ኣደይ ጸሃይቱ መቀያይሮ ትልሚ ህይወተን ብኸምዚ ክገልጻ ይጅምራ፦ “ወዲ ከብዲ ዓዲ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ጠቒሱ ነቦይ ተዛረቦ እሞ በዚ ነቦይ ሕራይ ኣበሎ፡


ብግምት ጓል 14 ዓመት እኸውን ከኣ  ንኣቶ ሙሴ ምራጭ ተመርዓኹ” ይብላ።  ገና ኣብ ሕጽነቶም ከለዉ ከኣ ኣቶ ሙሴ ምራጭ ብትሬንታ ቺንከ (1935) ብዓሳክር ጣልያን ተገፊፎም ካብ ኣማድር ናብ ኣዲስ ኣበባ ኢትዮጵያ ተወስዱ። ኣብ ለቀምቲ ዝብሃል ዓዲ ክነብሩ ድሕሪ ምጽናሕ፡ እንግሊዝ ንኤርትራ ምስ ሓዛ፡ ናብ ኣስመራ ተመሊሶም ድሕሪ ኣርባዕተ ዓመት ምስ ጸንሑ ብሕማም ምኽንያት ኣብ መበል 29 ዓመት ሰዊት ዕድሚኦም ካብዛ ዓለም ብሞት ተፈልዩ። ኣቶ ሙሴ ምራጭ ቅድሚ ምሟቶም “ንጽሃይቱ ኣምስልዋ ኣነ ነባሪ ኣይኮንኩን” ኢሎም ንስድራ ቤቶም ሕድሪ ሂቦምዎም እዮም ዝኸዱ። 

ድሕሪ ዓመትን ፈረቓን ሞት ብዓል ቤተን ኣቶ ሙሴ ምራጭ፡ ኣደይ ጽሃይቱ ተስፋይ፡ ነታ ባህጊ ቀደመን ክፍጽማ ናብ ደብሪ ኣቡነ ብጹእ ኣምላኽ፡ ጸጉረን ላጽየን ንጐይታ ከገልግላ ከዳ። ኣብ ሰሙነን “ክልተ ዝተባእሳ፡ ምትዕራቅ፡ ዚኣበያ ፈለስቲ ብሓይሊ ጐይታ ኣተዓረቅክወን እሞ፡ እቶም ሓላፊ እቲ ደብሪ ጸዊዖም፡ ‘ናብዚ ደኣ መኒንኪ መጺእኪ?’ በሉኒ” ይብላ። “ኣብዚ ድኣ እሞ ብዙሕ ነገራት እዩ ዘሎ ስለዚ፡ በሪርኪ ከይትከዲ ደኣ?” ምስ በልወን “ንዓለም ቀደም ኒዒቀያ መጺአ እየ” በልኦም። ቀጺሎም “ርእስኪ ደኣ ተቀዳዲምኪ ትላጽዮስ ‘ሰይጣን እንተጠፍኤስ ኣብ ቆቢዕ ፈላሲ ድለዮ’ ዝብል ምስላ ዶ ኣይሰማዕክን ኢኺ? በሉኒ” ክብላ ዛንትአን ይቕጽላ። ኣደይ ጽሃይቱ ነቲ ኣብ ኣእምሮአን ዝመላለስ ዝነብረ ሕቶ ብዛዕባ እቲ ደብሪ፡ ነተን ኣንስቲ መማንንተን ከምዚ ክብላ ይሓትአን፥ “ስለምንታይ እዮም ኣባ ብጹእ ኣምላኽ ተባሂሎም?” እተን ኣንስቲ ከኣ “እዞም ትርእያኦም ብጭራ ፈረስ ካብ ገሃነም የውጽኡ እዮም እሞ እንተተለከምና ኢልና ኣብዚ ደብሪ ተጸጊዕና” ከም ዝበልአን ከምእዉን “ኣብ ገዳምዶ ጽድቂ ዘሎ መሲሉኪ፡ ንስኺ ጓል ወንጌል ኢኺ ናብ ኣቦኺ ተመለሲ” ዝብል ሓረጋት ኣብ ሓሳበን እናተመላለሰ ኣሸገረን።  በዚን፡ በቲ ንሶም ዝበልዎን ምስላ ተበጊሰን “እምበኣር ኣብ ጽውጽዋይ ኣይኣምንን እየ፡” ዝብል ርትዒ ሒዘን “ናብ በረኻ ከይደ፡ ተደቢረ፡ ካብ ምህሮ ኣእምሮ ኢለ እየ መጺኤካ መገዲ ሓብረኒ ኢለ ኣምሪረ ብንብዓት በኸኹ” ይብላ። ኣቦአን፡ ኣቦይ ተስፋይ፡ ካብ ወንጌላዊት ቤተ ክርስትያን ነይሮም ክነሶም፡ ኣዲኤን ካብ ሃይማኖት ተዋህዶ ስለ ዝነበራ በዚ ምኽንያት እዚ እየን  ነቦአን ኣብ ኣንስቲ ኣሕዋተን ገዲፈን ናብ ገዳም ደብሪ ኣቡነ ብጹእ ኣምላኽ ንጽድቂ ዝኸዳ። ኣደይ ጽሃይቱ ግና ነታ ዝበሃገኣን ብዙሕ መስዋእቲ ዘኽፈለተን ጽድቅስ፡ ኣብቲ ደብሪ ሃሰስ ኢለን ስኣናኣ ደኣ። ታሪኽ ህይወት ኣደይ ጽሃቱ ካብዚ ናበይ? ኣብ ቀጻሊ ንከታተል።


                    ይቅጽል ...............


           contact-

thetruthgosple@wongelhaki.com

http://www.wongelhaki.com/%E1%88%9D%E1%88%B5%E1%8A%AD%E1%88%AD%E1%8A%90%E1%89%B5