Image description

 ብዓል ልደት

ብፓስቶር ብርሃነ ካሕሳይ

መዛግብቲ ሓድሽ ኪዳንን  ዛንታ ቤተ ክርስትያንን ብዛዕባ “ልደት” እንታይ ይብሉ?

መእተዊ

ብዛዕባ ዛንታ ህይወት ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ብንጹር ዝነጉሩና ጽሑፋት፣ ወንጌላት እዮም። ካብ ኣርባዕተ ወንጌላት እቶም ሰልስተ ከኣ ብዛዕባ ክርስቶስ ካብ - ናብ ማለት ብዛዕባ ወለድኡ ወይ መበቆሉ ምስ ዛንታ ዕለት ልደቱ ይዛረቡ። ቅድሚ ኣብዞም መጻሕፍቲ ዳህሳስ ምግባርና፣  ሓጺር መእተዊ ብዛዕባ ኣብ ምሉእ ዓለምና እዛ በዓል እዚኣ “Christmas” ብዝብል ቃል እትፍልጥ ሂብና፣ መበቆል ወይስ ኣጀማምራ እዛ በዓል ካብ ታሪክ ተውኪስና፣ ኣብ መወዳእታ ወንጌላትከ ብኸመይ ኣስፊሮሞን ኣገዳስነት እዚ ብዓል እዚ ንዓና እንታይ ምዃኑን ክንምልከት ኢና።

በዓል ልደት ኣገዳስነቱ ንዓና እንታይ እዩ? ሓጺር ምላሹ መንነት ክርስቶስ ምፍላጥ እዩ። ቀዳማይ ምጽኣቱን ክብሪ ምግላጹን እቲ መላኣኽቲ ዘድነቕዎን፣ ቅድሚ ዓለም ምፍጣራ ዝነበረ መደብ ኣምላኽ ተፈጻሚነቱን ዘዘክረና በዓል ክኸውን ይግባእ።

እቲ ናይ ግዜ ሕቶ ማለት ክርስትያናዊ ዕለተ በዓልን ኣቐዲሙ ዝጸንሐ ዕለተ በዓል ኣረማውያን ምትሕንፋጹ ዘስክፈና ነገራት የብሉን፣ ከመይሲ ብበዓለ ልደት ዓብላልነት እታ በዓለ ዕለት ኣረማውያን ከም ዘይነበረት ስለዝኾነት። የግዳስ ኣምሳያኡ፣  ብ Father of Christimas  Santa Claus   Baba Natale  ታሪኹ ምስ ኤጲስቆጶስ ወይ ኣቡን  ኒኮላስ ማለት ኣብ ጉባኤ ኒቅያ (325 ድ.ል.ክ) ዓቢይ ተራ ዝተጻወተን ብ 6 ታሕሳስ 345 ድ.ል.ክ ዝሞተን፣ ንዝክሩ ኢሎም ዓመታዊ በዓል ካብ ታሕሳስ 6 ናብ ታሕሳስ 25  ኣብ ጣልያን ምስ ህያባቶም ዘብዕልዎ  ዕለት፣ ጸኒሑ ከኣ ናብ ኣረማውያን ሃገራት ጀርመንን ሰልቲክን ዚለሓመ፣ ብ 1809 ብሓደ ስነ ጥበባዊ ተሸላሚ ብ Santa Claus ብስም ናይ ዳች  ክፍለጥ ዝጀመረን ብ1931 ዓ.ም  ብስዊደናዊ ስነ ጥበባዊ ንናይ ኮካ ኮላ  ንናይ ንግዲ መቃሊሒ”ሳንታ ክሉስ” ኣብ ኢዱ ኮካ ኮላ ዝዕተረ፣ ነቲ ሓቂ መበገሲ ዕለተ ልደት ጐይታና የሱስ ክርስቶስ እናህሰሶ ከይመጽእ፣ በዓል ልደትና ህያው ሓድጊ ክገድፍ ትርጉም ዘለዎ ምብዓሉ ኣገዳሲ ይገብሮ።

ኣብ ምዕራባውያን ብዘይካ ዓቢዪ በዓል መተኣኻኸቢ ስድራቤታትን ምብላዕን ምስታይን ምልውዋጥ ህያባትን ካብኡ ሓሊፉ ሚስጥር “ልደት” ተደምሲሱ እዩ። 

 

ኣመጻጽኣ እቲ ቦኽሪ ቃልን ከም ብዓል ጥንታውንቱን

ብመበል 11 ክፍለ ዘመን ዝተቃላቐለ ቃል እዩ።  “the Mass of Christ” ዝብል ሓሳብ ይወሃቦ እዩ። ትኽ ዝበለ ትርጉሙ ንምርካብ ግና ኣሸጋሪ እዩ። ካብ ትርጉም ቃሉ፣ ከም በዓል ምፍላጡ እዩ ዚትኮረሉ።

ብዛዕባ ልደት ክርስቶስ ክንዛረብን ከነብዕልን እንተኾይንና እንወከሶም ኣካልት እዞም ዚስዕቡ እዮም

1)     ዛንታ ቤተ ክርስትያን --  ብዘይካ እቲ ብዘይውግዓዊ እተጻሕፉ ዝተሰነደ የልቦን።

2)    ስነ መለኮት-- ጉባኤታት ቤተ ክርስትያን ብዛዕባ እዚ ጉዳይ እዚ ኣልዒለን ዘካየደኦ ግድልን ስነ መጎትን የልቦን።                         

3)    መዝገበ ቃላት መጽሓፍ ቅዱስ--  Christmas ዝብል ቃል ኣይርክብኒ።  የግዳስ ኣብ ትግርኛ መጽሓፍ ቅዱስ ከምቲ ስም ኣበዓዕልኡ “ልደት የሱስ ክርስቶስ እዚ እዩ” ኢሎም እቶም ትኩራት ተርጎምትና ስለዝቐመጥዎ መስመር መንፈሱ ኣየጥፍአን።

4)    መጽሓፍ ቅዱስ-- ብዛዕባ ኣበዓዕላ ልደት ዝተሰነደ የልቦን፣ የግዳስ እቲ ሚስጥር ትሕዝቶ ልደት ኣብኡ ተነጺሩ ንረኽቦ።

 

ከም በዓል ጥንታውነቱ ካብቶም ንድሕሪት ተመሊስካ እትረክቦም ጥንታውያን በዓላት ኣይኮነን። ብ200 ድ.ል.ክ እታ ፈላሚት መረጋገጺ ናይዚ በዓል እዚ ካብ ግብጺ ምዃኑ ይንገርላ (ክለመንት ናይ ኣለክሳንደርያ)። ግብጻውያን ስነ-መለኮታውያን፣ ብዛዕባ ዕለተ ልደት ክርስቶስ ፣ እታ ዓመት ጥራይ ዘይኮነትስ እታ መዓልትውን ክሰኽዕዋ ብዙሕ ሃንቀውታን ተገዳስነትን ከም ዘሕደሩ ይንገረሎም።

ብዛዕባ ዕለተ ልደት፣ መዓልታን ወርሓን ንምቅማጥ፣ ዳርጋ ዘይተተንከፈት ወርሒ የላን። ግንቦት 20፣ ምያዝያ 19፣ ምያዝያ 20፣ የካቲት 28፣ ጥሪ 6 ወይ ጥሪ 10፣  ታሕሳስ 25።  ስለዚ ኣብ ሃገርና ናይ ጸዓዱ ልደትን፣ ናትና ልደትን ተባሂለን ክባዓላ ዘገርም ኣይኮነን። ነዚ ላዕለዋይ መድረኽ ዘንጸባርቕ እዩ።

Ø  ኣብ ቆጵሮስ፣ ኣብ መሶጵታምያ፣ ኣብ ኣርሚንያን፣ ንእሽቶ እስያን  ብ380 ድ.ል.ክ፣ “ልደት” መበል 25 ታሕሳስ ከም ዝተባዕለት ኣብ ታሪኽ ይንገር።

Ø  ኣብ ግብጺ ብ427ንን ብ433 ታሕሳሳዊት በዓል ንምብዓል ልደት፣ በጽሐት።

Ø  ኣብ የሩሳሌም ብ425-458 ድ.ል.ክ  ብመበል 25 ታሕሳስ ኣመልኪቱ ጁሊያስ ንጆቪናስ ናይ የሩሳሌም ከም ዝጸሓፈ ይንገረሉ።

Ø  ኣብ ኣንጾክያ ከኣ ክሪስሶሶቶም  መበል 25 ታሕሳስ ምዃኑ የተሓሕዞ።

Ø  ኣብ ሮማ እንተወሓደ ብ 388 ድ.ል.ክን ክንዩኡን ኣብ መበል 25 ታሕሳስ ከም ዝተባዕለ ዘርባ ክሪስሶሶቶም ይሕብር።

Ø  ኣብ ኮንስታንቲኖብል ቅድሚ 379 ከምዝኾነ ይንገረላ።

 

 

እዛ መበል 25 ታሕሳስ እትውዕል ዘላ በዓል ልደት ናይ ኣረማውያን በዓል ከም ዝነበረትን ነታ ትርጉም “Christmas” ዝብልውን ብኻልእ መልክዓ ተርጕም ኣትሒዞም እታ ልደት ክርስቶስ መበል 25 ከም ዘይኮነን እዛ በዓል እዚኣ በዓል ናይ ኣረማውያን ክትሰዓብ ከመ ዘይብላን ዚኮራኹሩ ኣይተሳእኑን። እታ ፍልጥቲ (solar feast) ጸሓያዊት በዓል ኣብ መበል 25 ታሕሳስ ትበዓል ከም ዝነበረት ይንገረላ እዩ።

 

መዛግብቲ ዛንታ ህይወት ጐይታ የሱስ ክርስቶስ ብዛዕባ ልደት እንታይ ይብሉ።

Ø  ማቴዎስ-- መስመር ሕሩይ ወለዶ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ የዘንቱ። ክርስቶስ ካብ ዳዊት ምዃኑ ኣስሚሩ ንድሕሪት መሰረት ሕሩይ ወለዶ ንንግስነት፣ ካብ ኣብርሃም ኣቦ እምነት ምልክት መንግስት ጽድቂ ይጽብጽብ። ማቴዎስ ነቲ ወለዶ ኣብ ሰለስተ ጉጅለ ጠሚሩ ነቲ መስመር ይዘርዝሮ። (ኣብ ቀዳማይ ምዕራፍ ተመልከት)።

·         ቀዳማይ ጉጅለ-  ካብ ኣብርሃም ክሳዕ እሰይ ጸብጺቡ ሕሩይ ውለዶ ምዃኑ የቐምጦ።

·         ካልኣይ ጉጅለ-- ካብ ዳዊት ወዲ እሰይ ክሳዕ ዮስያስ ወለዶ ነገስታት መንግስቲ እስራኤል ክሳዕ ናብ ምርኮ  

                  እትኸይድ መስመር ኣተሓሒዙ ይጽብጽብ።

·         ሳልሳይ ጉጅለ ወለዶ፣ ካብ ድሕሪ ምርኮ ናብ ክርስቶስ እቲ መስመር ኣነጺሩ ከም ብመጒዚትነት ኣቦ፣ ንዮሴፍ -ሕጹይ ማርያም- ብምባል፣ካብ ማርያም ከኣ ክርስቶስ ዝበሃል የሱስ ከም እተወልደ የዘንቱ።

ነቲ መልኮታዊ ኲነት ንምግላጽ ማቴዎስ ኣብ ጥ. 18 ደጊሙ “ልደት የሱስ ክርስቶስ ከምዚ እዩ፣ ኣዲኡ ማርያም ንዮሴፍ ተሓጸያ ኸላ፣” ኢሉ ንምጽናዕ እዛ ሓሳብ እዚኣ ከኣ “ ከይተራከቡ፣ ብመንፈስ ቅዱስ ጠኒሳ ተረኽበት።” ብምባል ብዝበለጸ ነቲ መለኮታዊ መስርሕ ንምግላጽ፣ እቲ ኲነታት በመገዲ ዮሴፍ ኣተሓሒዙ፣ ንዮሴፍ ኣብቲ ተኣምራታዊ መስርሕ ወለዶ የሱስ ክርስቶስ ብሕልሚ ከም እተገልጸሉን ነቲ ኲነት ምስ ነብያት ዝበልዎ (ኢሳ. 7፣14)   ብምትእስሳር ስሙ መድሓኒ፤ ኣማኑኤል ከም ተባህለ የስምረሉ። ክንዮ እዚ፣ ክርስቶስ እቲ ንጉስ ኣይሁድ ምዃኑ ኣብ 2ይ ምዕራፍ ብግልጺ ምስ ታሪኽ ምብጻሕ ሰብ ጥበብ ኣተሓሒዙ ይትንትኖ።

ኣብቲ ታሪኽ፦ “ንጉስ  ኣይሁድ ኣበይ ኣሎ?” “ነዚ ንጉስ እዚ ክንሰግደሉ መጺእና፣” በቲ ካልእ ወገን ከኣ “ንጉስ ሄሮድስ ሰሚዑ ስምበደ፣” “የሩሳሌምውን ምስኡ ሰሚዓ ሰምበደት።” ዘገርምዶ ኣይኮነን፣ እቲ ንጉስን ህዝቢ ብምልኡን እቲ ንጉስ ኣይሁድ ከም እተወልደ ተበሲሮምስ ሰምቢዶም

ብንጹር ክርስቶስ እተወልደሉ ቦታ ምስ ትንቢት ብምትሕሕሓዝ ተሓቢሩ ፣ እቶም መንፈሳዊ መራሕቲ ኣይሁድ ብግልጺ እቲ ኲነት በርሃሎም። ቤተ ክህነት ግና ነቲ ንጉስ ኣይሁድ  ከሰስቱን ሰቐልቱን ደኣ ኮኑ።

እቶም ሰብ ጥበብ ብግሩም መሪሕነት ኣምላኽ ናብ ክርስቶስ በጺሖም እዮም። ንኦኦም ክርስቶስ እቲ ንጉስ፣ ግልጺ ነበረ።ንንጉስ ዝግባእ ህያባት ከኣ ኣቕረቡ (ወርቂ፣ ዕጣን፣ ከርበ)።

ድሕሪ እዚ ፍጻሜ ግና ነቲ ንጉስ፣ ክርስቶስ፣ ንምጥፋእ ዝተወስደ ስጉምቲ ሄሮድስ ንዅልም ሕጻናት ቤተልሄምን ኣብ ኵሉ ጐዶቦታት ንዝጸንሑን ካብ 2 ዓመት  ንታሕቲ ንዘለዉ ኣቕተለ። ሕሉፍ ጭከና! ዋይዋይታን ብዙሕ ብኽያትን ከኣ ኮነ። ራሄል በኸየት--ተወዲኦም   እዮም እሞ ምድባስ ኣበየት(ማቴ 2፣1-18)።

እቲ ኩነት ስለምንታይ ከም እተፈጸመ እቲ ህዝቢ ክሓትት ናይ ግድን ነበሮ። የግዳስ ምስ ሄሮድስ ኮይና ዝሰንበደት የሩሳሌም ካብቲ ዝፈርሃቶ ሓራ ኣይወጸትን። እቲ ኵነታት ግና በቲ ሓደ ኣውንታዊ መልክዑ፣ ክርስቶስ እቲ ንጉስ ኣይሁድ ከም እተወልደ ዘቃልሕ ዓቢዪ ደወል ነበረ።

እምበኣር ማቴዎስ ጸብጻብ ዛንትኡ በዚ እዋን ልደት ንዓና ዘመሓላልፎ እዚ እዩ፦ የሱስ ካብቲ ሕሩይ ወልዶ፣ የሱስ እቲ ንጉስ፣ የሱስ እቲ መድሓኒ ህዝቡ--ሕጂ መድሓኒ ካብ ሓጢኣት ድሓር ግና ብሰብኣዊ ኣገላልጻ፣ ፖለቲካዊ መድሓኒ ፣ ንምድሪ ክግዝኣ ከድሓናን ክመጽእ እዩ። ስሙ ብሩኽ ይኹን።

 ካልኦት ወንጌላውያንከ እንታይ በሉ? ማርቆስ ብዛዕባ እዚ ጉዳይ እዚ ከይጠቐሰ እዩ ሓሊፉ። ሉቃስ እቲ ድሒሩ ዝጸሓፈ (ሉቃስ 1፣1-2) ካብቶም ብዙሓት ዛንታ ክርስቶስ ክጽሕፉ ዚጀመሩ ተወኪሱ ንኹሉ ኣዳላዲሉ ከም ቃሉ (ሉቃስ 1፣3,4) ኣስፊርዎ ኣሎ። ዮሃንስ ነታ ዝደሓረት ወንጌል ዝጸሓፈ ግና፣ ነቲ እተባህለ ከይደጋገመ፣ ብዛዕባ ክርስቶስ ክንዮ ምድራዊ መበቆሉ ሓሊፉ መለኮትነቱ እዩ ዘብርህ።  እምበኣር እንታይ ከም ዝበሉ ንሉቃስ ንቐድሞ እሞ ብዮሃንስ ክንድምድም ኢና።

Ø  ሉቃስ ብዛዕባ ክርስቶስ ልደቱ ከመይ ከም ዝነበረ ከዘንቱ ናብቲ ወለዶ ክምለስ ነበሮ። ሉቃስ ነቲ ምስ ክርስቶስ ጎኒ ንጎኑ ክኸይድ ዝነበሮ ዮሃንስ መጥምቕ ዛንትኡ ከእቱ ነቲ ጽቡቕ ምልካይ ሕብሪ  ኣምጻጽኣ ክርስቶስ ዘድምቕ ነበረ። በዚውን እታ ንክርስቶስ ዘይተቐበለቶ ሃገር ይሁዳ ፣ ክከሓድ ዘይክእል ትእምርቲ ፍጻሜ በቶም ካህናት ኣትሒዝካ ካልእ ዝሰምዐ ዘበለ ክርስቶስ እቲ መስህ ከመ ዝመጸ ዘረጋግጽ ነበረ። እቲ ግሩም ታሪኽ እትነግረን- ኣብ ጽሑፋት ዘስፈርዎን ንዓና ንዳሕራይ ዘበን ዚመጻና ህያው፣ እኩብ፣ ንጹር መልእኽቲ ሓዲጉልና ኣሎ።

 

ሉቃስ፣ ክርስቶስ ክንዮ እቲ ሕሩይ ወለዶ እስራኤል ምኻኑ ንምግላጽ፣ ወዲ ዮሴፍ ከመዘይኮንን ግናኸ ወለድኡ ናብ ዳዊት ንምትሕሓዝ ብወለዶ ናታን ወዲ ዳዊት ቀጺሉ ካብ ዳዊት ንድሕሪት ተመሊሱ ብኣብርሃም ኣቢሉ፣ ናብ ኖህ ናብ ወዲ ኣዳም ኣብ መወዳእታ ከኣ ወዲ ኣምላኽ ኢሉ ይድምድሞ። ስለዚ ክርስቶስ ወዲ ሰብ ወዲ ኣምላኽ። ንኸምዚ ዝበለ ጐይታ ኢና ልደቱ ብምስትውዓል ንብዕል።

 

ሉቃስ ካብ ወገን ኣህዛብ ስለ ዝነበረ እቲ መድሓኒ ዝርጋሐኡ ካብ ሕሩይ ወለዶ ንኹሉ፣ ንዓይ ንዓኻ የተሓሕዞ። ስም እግዚኣብሄር ብሩኽ ይኹን።

 

ሉቃስ ኣብ ቀዳማይ ምዕራፍ ነቲ ኣብ ማቴዎስ ንየሴፍ ሕጹይ ማርያም ብሕልሚ ዝተባህለሉ ትኣምራታዊ ምውላድ ክርስቶስ፣ ፍጻሜኡ የዘንቱ። ጥንሲ ማርያም  ካብ መንፈስ ቅዱስ፣ የሴፍ ምስታ ጠኒሳ ዘላ ማርያም ሕጽይቱ ናብ ቤትልሄም  እትብሃል ዓዲ ዳዊት ናብ ይሁዳ በቲ ዝወጸ ትእዛዝ መሰረት ክጻሓፉ ምስ ደየቡ ግዜ ሕርሳ ከም ዝበጽሐን ብዓለባውን ከም ዝጠቅለለቶን ኣብ መብልዒ ማል ኣብቲ ማሕደር ኣጋይሽ ሰፈር ስለዘይነብረ ከም ዘደቀሰቶን የዘንቱ (2፣1-7)።

 

ኣብ ማሕደር ኣጋይሽ ስፍራ ኣይነበረን። ሎሚ ግና ኣብ ማሕደር ልብኻ ስፍራ ክህልዎ ይጽበየካ። እቲ ዘማራይ ዝበሎ ኣስትውዕሎ፦

                  “ዎ የሱስ ኣነስ እቅበለካ ኣብ ልበይሲ ሰፈር ኣሎካ።”

 

 መን ኢኻ ዘይብሃሎም ጓሶት መጀመርታ ብስራት ልደት ክርስቶስ ሰምዑ፦ “እንሆ ሎሚ መድሓኒ ኣብ ዓዲ ዳዊት ተወሊድልኩም ስለ ዘሎ፣ -- ንሱ ኸኣ ክርስቶስ ጐይታ እዩ፣ -- ንኹሉ ህዝቢ ዚኸውን ዓብዪ ሓጐስ ኤበስረኩም ኣሎኹ እሞ፣ ኣይትፍርሁ።” (ሉቃስ 2፣8-11)

 

እዚ ጥራይ ምዓስ ኮይኑ ሰማይ ከኣ ተሓጐስት።  “ብዙሓት ሰራዊት ሰማይ ድማ ብድንገት ምስቲ መልእኽ ተጸምቢሮም፣ ኽብሪ ንኣምላኽ ኣብ ላዕሊ፣ ሰላም ከኣ ኣብ ምድሪ ኣብ መንጎ እቶም ስምርት ኣምላኽ ዘለዎም ሰባት እናበሉ ንኣምላኽ ኣመስገኑ።” (2፣13, 14) 

 

 ብርግጽ ኽብሪ ንኣምላኽ ኣብ ላዕሊ፣

ሰላም ከኣ ኣብ ምድሪ!     

       በዚ መንፈስ እዚ በዓልና ከንብዕል፣ ነቲ ንጉስ ክብሪ፣ ሰላምና ዝኾነ ክርስቶስ ካብ ምምስጋን ካልእ ዝድለ የልቦን።

Ø  ንሉቃስ ኣብዚ ሓዲግና፣ ብዛዕባ ወለዶ ክርስቶስ  ዮሃንስ ዘስፈሮ ንመልከት። ዮሃንስ ድሕሪ ኲላቶም ጽሓፍቲ ሓድሽ ኪዳን ስለ ዝጸሓፈ፣ ነቲ ዛንታ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ብኻልእ መልክዑ የዘንትዎ።  እቲ ኣብ ማቴዎስ፣ ንጉስ ኣይሁድ፣ ኣብ ሉቃስ ወዲ ኣዳም ወዲ ኣምላኽ፣ ዝተነግረሉ ክርስቶስ ክንይኡ ምዃኑ ናብ ዘለኣለምነት ይወስደና።

ክርስቶስ ብመጀምርታ ከም ዝነበረ፣ ክርስቶስ ምስ ኣምላኽ ከም ዝነበረ፣ ከርስቶስውን ኣምላኽ ከምዝነበረ እንኮ ትርጉም ክወሃቦ ዝኽእል መእትዊ ንኣንበብቱ የፋልጥ። ክርስቶስ ፈጣሪ ኲሉ ምዃኑ ድሕሪ ምግላጹ፣ ብርሃን ሰብ፣ እቲ ንነፍሲ ወከፍ ሰብ ዜብርህ ብርሃን ሓቂ፣ ምዃኑ ንምስክር ዮሃንስ መጥምቕ የስምረሉ። እታ ዓለም ብእኡ ዝኾነት፣ ህይውት ኣብኡ ነበረት፣ እታ ህይወት እቲኣ ከኣ ብርሃን ሰብ ነበረት። (ዮሃ 1፣1-9)

ብሓቂ “ኣብ ጸልማት ዚነብር ህዝቢ ዓብዪ ብርሃን ረኣየ፣ ኣብ ዓዲ ሞትን ድኔኣን ንዝነብሩ ድማ ብርሃን ወጸሎም” (ማቴ 4፣16)።

 ዮሃንስ በዘየዳግም ንምብራህ ሓሳቡ “እቲ ቓል ስጋ ዀነ፣ ጸጋን ሓቅን መሊእዎ ኸኣ ኣባና ሓደረ” ኢሉ የቓልሖ (1፣14)።

ኣምላኽ ዓብዪ፣ መግለጺ ዘይረከቦ፣ ፍቕሩ ገለጸልና። ዮሃንስ ነዚ መስዋእቲ እዚ ብመግለጺ ስነ-መለኮት ገይሩ ክገልጾ ከሎ፦ “ኣምላኽ በቲ ሓደ ወዱ ዝኣምነ ዘበለ ኲሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ክረክብ እምበር መታን ከይጣፍእሲ ንወዱ በጃ ክሳዕ ዝህብ  ክሳዕ ክንድዚ ንዓለም ኣፍቀራ” ይብለና (ዮሃ 3፣16)።

         

መጠቓለሊ

            ልደት ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ኣገዳስነቱ ንዓና ኣዚዩ ዓብዪ እዩ። ከም ክርስትያናት ከነብዕሎ ከሎና፣ ዘገድሰና በየነይቲ መዓልቲ ክርስቶስ ከም ዝተወልድ ዘይኮነስ፣ እታ መዓልቲ ልደቱ እንተ 25 ታሕሳስ ኮይና ወይስ 7 ጥሪ  ወይስ ካልእ ኣማራጺ እንተሎውን፣ ፍልይቲ በዓልና ኢያ። ከመይሲ ትሕዝቶኣ ልዕሊ ዝኾነ ይኹን ዝኽሪ እዩ። ትርጉም ልደት ተርዲእካ ወይ ተረዲእኪ ሎሚ ንክርስቶስ እቲ ንጉስ ክብሪ፣ እቲ መድሓኒ፣ እቲ ኣምላኽ ምሳና፣ እቲ ሰብን ኣምላኽን ዝኾነ፣ እቲ ዓለም ብእኡ ዝኾነት፣ እቲ ብርሃን ንፍሲ ወከፍ ሰብ ዝኾነ፣ እቲ ብርሃን ሓቂ፣ እቲ ዓብይ ህያብ ኣምላኽ፣ ኣብ ማሕደር ልብኻ/ኺ ሰፈር እንተድኣ ረኺቡ ኣልዩ ካብዚ ዝዓቢ ሓጐስ የሎን። ሃየ በዚ እዋን ልደት ክርስቶስ ኣብ ማሕደር ልብካ ሰፈር ኣይስኣን።

           

“ሕጻን ተወሊዱልና ወዲ ተውሂቡና እዩ እሞ፣

እቲ ግዝኣት ከኣ ኣብ ምንኲቡ እዩ፣

 ስሙውን ግሩም፣ መካር፣ ብርቱዕ ኣምላኽ፣ ኣቦ ዘለኣለም፣ መስፍን ሰላም ኪስመ እዩ (ኢሳ 9፣6)


comments

           contact-

thetruthgosple@wongelhaki.com

http://www.wongelhaki.com/%E1%88%9D%E1%88%B5%E1%8A%AD%E1%88%AD%E1%8A%90%E1%89%B5